Mefth Loader Gif

ከመይ ገይርና Mefth ኣፕሊኬሽን ኣብ ሞባይልና ከነውርዳ ንእኽል ኣብዛ ጽሕፍቲ ንከታተል

Last Updated: 1 year ago

ኣብ Mefth ብክልተ መንገዲ ኢና እታ ኣፕሊኬሽን ከነውርዳ ንኽእል፡

እቲ ሓደን ዝቐለለን ካብ ፕለይስቶር ኣብዚኣ ጠዊቕና ከነውርዳ ንኽእል ኢና፡

እንተኾነ ግን ናይዚኣ ዝዓበየ ጸገም፡ ዝኾነ ቪድዮ ኣብ ሞባይልና ክንሪኢ እንከለና ይደቀመና'ሞ ንጋድም ገይርና ክንሪኢ ምስ ንደሊ ይኣብየና'ዩ፡

ካላኣይን ዝበለጸ ኣማራጽን ከኣ፡

ኣብ ክሮም ኣቲና ኣብ ላዕሊ mefth.com ኢልና ንጽሓፍ፡

ብድሕሪኡ ከምዚ ኣብዚ ታሕቲ ስእሊ ንዕዘቦ ዘለና ኣብታ ሰለስተ ነጥብጣብ 👉 ፧ ንጠውቕ፡

Download Mefth App

ብድሕሪኡ ኣብታ "Install App ወይ ከኣ Add to home screen" ትብል ንጠውቕ፡ ልክዕ ከምዚ ኣብዚ ስእሊ ንዕዘቦ ዘለና ማለት'ዩ፡

Add to home screen

ብድሕሪኡ ልክዕ ከምዚ ኣብኡ ታሕቲ ዘሎ ከተምጻኣልና'ያ ብድሕሪኡ "Install" ንብላ ማለት'ዩ።

Mefth Installations

ኣብ መወዳእታ ከኣ ከምዚ ኣብዚ ንዕዘቦ ዘለና ኣብ ሞባይልና ወሪዳ ክንረኽባ ንኽእል ኢና።

Downloaded Mefth App
ክሳብ ሕጂ ዘይተመዝገብና እንተኾይንና ኣብዚኣ ጠዊቕና ክንምዝገብ ኣለና።

ተስፋ ንገብር እዚ ጽሑፍን ስእልታትን ሓጊዝኩም ክኸውን፡

ዝኾነ ሕቶ ምስ ዝህልወኩም ርኸቡና ክንሕግዘኩም ድልዋት ኢና።

Report for Comment or Reply




Mefth Loader gif

Login to write... comment.

You must Login to write comment.

You must Login to write Reply.

You may like these posts


We value your opinion.
Help us serve you better by sharing your feedback.