
ከመይ ገይርና Mefth ኣፕሊኬሽን ኣብ ሞባይልና ከነውርዳ ንእኽል ኣብዛ ጽሕፍቲ ንከታተል
Last Updated: 1 year ago
ኣብ Mefth ብክልተ መንገዲ ኢና እታ ኣፕሊኬሽን ከነውርዳ ንኽእል፡
እቲ ሓደን ዝቐለለን ካብ ፕለይስቶር ኣብዚኣ ጠዊቕና ከነውርዳ ንኽእል ኢና፡
እንተኾነ ግን ናይዚኣ ዝዓበየ ጸገም፡ ዝኾነ ቪድዮ ኣብ ሞባይልና ክንሪኢ እንከለና ይደቀመና'ሞ ንጋድም ገይርና ክንሪኢ ምስ ንደሊ ይኣብየና'ዩ፡
ካላኣይን ዝበለጸ ኣማራጽን ከኣ፡
ኣብ ክሮም ኣቲና ኣብ ላዕሊ mefth.com ኢልና ንጽሓፍ፡
ብድሕሪኡ ከምዚ ኣብዚ ታሕቲ ስእሊ ንዕዘቦ ዘለና ኣብታ ሰለስተ ነጥብጣብ 👉 ፧ ንጠውቕ፡

ብድሕሪኡ ኣብታ "Install App ወይ ከኣ Add to home screen" ትብል ንጠውቕ፡ ልክዕ ከምዚ ኣብዚ ስእሊ ንዕዘቦ ዘለና ማለት'ዩ፡

ብድሕሪኡ ልክዕ ከምዚ ኣብኡ ታሕቲ ዘሎ ከተምጻኣልና'ያ ብድሕሪኡ "Install" ንብላ ማለት'ዩ።

ኣብ መወዳእታ ከኣ ከምዚ ኣብዚ ንዕዘቦ ዘለና ኣብ ሞባይልና ወሪዳ ክንረኽባ ንኽእል ኢና።

ተስፋ ንገብር እዚ ጽሑፍን ስእልታትን ሓጊዝኩም ክኸውን፡
ዝኾነ ሕቶ ምስ ዝህልወኩም ርኸቡና ክንሕግዘኩም ድልዋት ኢና።
You may like these posts
We value your opinion.
Help us serve you better by sharing your feedback.
Help us serve you better by sharing your feedback.
Report for Comment or Reply