ኣብ Mefth ብኸመይ ሎግ-ኢን ንገብር
Mefth ሓንቲ ካብተን ብዙሕ ኮርሳት እንዳ ኣቕረበት ንብዙሓት ክመሃሩ ንዝደልዩ ኮርሳታ ቀሪባ ጆባእ ትብል ኮይና ንብዙሓት ሰብ ሞያ'ውን ብሞዮኦም ምሂሮም ረብሓ ክገብሩ ሰሪሓን ትሰርሕ ኣላን፡
ኣብዛ ጽሕፍቲ እምበኣር ኣብዛ ፕላትፎርም ብኸመይ Login ክንገብር ንኽእል ክንሪኢ ኢና።
ኣብ Mefth ንብዙሕ ዕላማ Login ክንገብር ክንደሊ ንኽእል ኢና፡ ገለ ካብቲ ዕላማ ከኣ
- ስልጠና ክንወስድ
- ከም መምሃራን ኮይንና ስልጠና ክንጽዕን
- ረሲድ ክንገዝእ
- ኮመንት ክንጽሕፍን ካልእን፡
ሎግ-ኢን ክንገብር እንተኾይንና፡
መጀመርያ ኣብታ ላዕሊ Login ትብል ንጥውቕ
ካብዚ ብምቕጻል ከኣ ሓንቲ ቦክስ ክትመጸና ኢያ፡
ኣብኣ ከኣ ክልተ ምርጫ ኣለና ሓደ ኣብታ Sign in with Google ትብል ጠዊቕና ክናኣቱ ንኽእል ኢና ወይ ከኣ ኣብታ ኢመይልን ፓስዎርድን ዘላ መሊእና ክንኣቱ ንኽእል ኢና፡
እታ ምርጫ ናይ Sign in with Google እንተ ሃልያ ዝበለጸ፡ ከምዚ ኣብዚ ታሕቲ ስእሊ ንዕዘቦ ዘለና ኣብኣ ክንጥውቕ ኣለና፡
እንተደኣ ንሳ ዘይሃልያ ግን፡ ከምዚ ኣብዚ ታሕቲ ንዕዘቦ ዘለና ኣብታ ቀዳመይቲ ኢመይልና ኣብታ ካለአይቲ ከኣ እታ ክንምዝገብ እንከለና ሂብናያ ዝነበርና ፓስዎርድ ክንህባ ኣለና።
ብድሕሪኡ ኣብታ Login ትብል ዘላ መላግቦ (Button) ንጥውቕ'ሞ ብኸምዚ ከኣ Login ክንገብር ንኽእል።
ተስፋ ይገብር እዚ መምርሒ ንጹር ኮይኑ ክኸውን፡ ዝኾነ ሕቶ ወይ ርእይቶ ምስ ዝህልወኩም ክትረኽቡና ንላቦ።
You may like these posts
Report for Comment or Reply