Mefth Loader Gif

ኣብ Mefth ብኸመይ ሎግ-ኢን ንገብር

Last Updated: 6 months ago

Mefth ሓንቲ ካብተን ብዙሕ ኮርሳት እንዳ ኣቕረበት ንብዙሓት ክመሃሩ ንዝደልዩ ኮርሳታ ቀሪባ ጆባእ ትብል ኮይና ንብዙሓት ሰብ ሞያ'ውን ብሞዮኦም ምሂሮም ረብሓ ክገብሩ ሰሪሓን ትሰርሕ ኣላን፡

ኣስተውዕሉ፡ ኣዚ መስርሕ'ዚ ንሕና ኣቐዲምና ተመዝጊብና'ሞ ሎግ-ኢን ኢልና ጥራይ ክናኣቱ ምስ ንደሊ'ዩ፡ እንተዘይተመዝጊብና ግን ኣቐዲምና ኣብዚኣ ሊንክ ጠዊቕና ንመዝገብ ብድሕሪኡ ኣብዚ ንቕጽል፡

ኣብዛ ጽሕፍቲ እምበኣር ኣብዛ ፕላትፎርም ብኸመይ Login ክንገብር ንኽእል ክንሪኢ ኢና።

ኣብ Mefth ንብዙሕ ዕላማ Login ክንገብር ክንደሊ ንኽእል ኢና፡ ገለ ካብቲ ዕላማ ከኣ

  • ስልጠና ክንወስድ
  • ከም መምሃራን ኮይንና ስልጠና ክንጽዕን
  • ረሲድ ክንገዝእ
  • ኮመንት ክንጽሕፍን ካልእን፡

ሎግ-ኢን ክንገብር እንተኾይንና፡

መጀመርያ ኣብታ ላዕሊ Login ትብል ንጥውቕ

Mefth login

ካብዚ ብምቕጻል ከኣ ሓንቲ ቦክስ ክትመጸና ኢያ፡

ኣብኣ ከኣ ክልተ ምርጫ ኣለና ሓደ ኣብታ Sign in with Google ትብል ጠዊቕና ክናኣቱ ንኽእል ኢና ወይ ከኣ ኣብታ ኢመይልን ፓስዎርድን ዘላ መሊእና ክንኣቱ ንኽእል ኢና፡

እታ ምርጫ ናይ Sign in with Google እንተ ሃልያ ዝበለጸ፡ ከምዚ ኣብዚ ታሕቲ ስእሊ ንዕዘቦ ዘለና ኣብኣ ክንጥውቕ ኣለና፡

Mefth Sign in methods

እንተደኣ ንሳ ዘይሃልያ ግን፡ ከምዚ ኣብዚ ታሕቲ ንዕዘቦ ዘለና ኣብታ ቀዳመይቲ ኢመይልና ኣብታ ካለአይቲ ከኣ እታ ክንምዝገብ እንከለና ሂብናያ ዝነበርና ፓስዎርድ ክንህባ ኣለና።

Sign in to Mefth

ብድሕሪኡ ኣብታ Login ትብል ዘላ መላግቦ (Button) ንጥውቕ'ሞ ብኸምዚ ከኣ Login ክንገብር ንኽእል።

ተስፋ ይገብር እዚ መምርሒ ንጹር ኮይኑ ክኸውን፡ ዝኾነ ሕቶ ወይ ርእይቶ ምስ ዝህልወኩም ክትረኽቡና ንላቦ።

Report for Comment or Reply




Mefth Loader gif

1 Comment

You must Login to write comment.

Team 's profile
Team
2 months ago

አውነት

REPLY

You may like these posts