Mefth Loader Gif

ቋንቋ ፈረንሳ ንጀመርቲ

ካብ ፊደላት ጀሚሩ ክሰብ ቦታ ምሕባር ቀልቲ ዝርርባት ክትገብርን

0   (0 Ratings) 0 Students 6 hours of videos. Course in: Tigrinya Language For Beginners Level Last updated on: 2 September, 2025

Instructor Badge Haimanot Tekle

Course Features

Lectures : 36

Duration : 6 hours

Access: Lifetime

$99$35 Enroll

ካብዛ ስልጠና እንታይ ኢኹም ክትመሃሩ፧

ካብ ፊደላት ክሳብ ቦታ ምሕባር በብኣርእስቱ፣ ምንባብ ምስማዕ ነብስኻ ምልላይ,ሽምካ:ዕድሜኻ:አድራሻካን ካልኦትን ምልላይ ቦታ ከትሕብር ፖስጣን ሓጺር ድብዳቤ ክትጽሕፍን ሓጸርቲ ዝርርባትን

ነዛ ስልጠና ክትወስድዋ ከተማልእዎ ዘለኩም ረቛሒታት:

ኢንተርነት ሞባይል/ላፖቶፖ መለማመዲ ጥራዝ ተገዳስነትን እኩል ጊዜ ንምልምማድ ምሃብ

እዛ ስልጠና ንመን'ያ፧

ጀመርቲ ብፋላይ ናብ ፈረንሳ ይኹን ፈረንሳ ተዛረብቲ ሃገራት ድገሹ ፈረንሳ ብቋንቋ ትግርኛ ክመሃሩ ዝደልዮ Delf/Dalf ክፍተን ካብ ገዝኡ ኮይኑ ክመሃር ዝደሊ ንደቁ አብ ቤት ትምህርቲ ቋንቋ ፈረንሳ ክሕግዝ ዝደሊ ብስራሕ ወይ ብዝምድና ምስ ተዛረብቲ ቋንቋ ፈረንሳ ክዘራረብ ድደሊ

እዛ ስልጠና ኣጠቓሊላቶም ዘላ:

Lectures : 36 Language: Tigrinya Duration : 6 hours Students : 0 Certificate: Yes Payment: Once Access: on any device Access: Lifetime

ናይዛ ስልጠና ትሕዝቶታት

Course Description

ስልጠና ቋንቋ ፈረንሳ ንጀመርቲ

እንቋዕ ደሓን መጻኹም ናብ ስልጠና ቋንቋ ፈረንሳ ንጀመርቲ

2 ቋንቋ ዝኽእል ሰብ ከም ሓደ ዘይኮነ ከም ክልተ ሰብ'ዩ ዝሕሰብ 🙋

ቋንቋ ሃብቲ'ዩ፡

ቋንቋ ፈረንሳ ኣብ ዓለምና ብብዝሒ ተዛረብቱ ኣብ 6ይ ደረጃ ይስራዕ፡

እዚ ሮማንቲክ፡ ኣብ ከም በዓል ፈረንሳ፡ ስዊዘርላንድን ካናዳን ከም ቀንዲ ሃገራዊ ቋንቋ ኮይኑ ዘገልግል ቋንቋ ፈረንሳ'ምበኣር'ዩ ናይ ናይዛ ስልጠና ትሕዝቶና።

ቋንቋ ፈረንሳ - ንሞያ፡ ንትምህርቲ፡ ንምዝዋር ወይ ከኣ ንምስ ሕብረተ-ሰብ ተዛረብቲ ቋንቋ ፈረንሳ ንምልላይን ንምፍላጥን ኣብቲ ቋንቋ ኣፍልጦኹም ኣበሪኽኩም ህይወትኩም ብዝቐለለን ዝበለጸን መንገዲ ክትጎዓዝ ከም ትደልዩ ኣይጠራጠርን'የ፡

ስለዚ'የ እምበኣር ኣነ ኣዳላዊትን ኣቕራቢትን ኢንጅ. ሃይማኖት ሓፍትኹም ንዘለኒ ሞያ ወይ ክእለት ምልከት ቋንቋ ፈረንሳይ በዚ መንገዲ ስልጠና'ዚ ኣቢለ ምሳኹም ከካፍሎ ዝመረጽኩ።

ናብ ፈረንሳ ክትመጹ፡ ወይ ኣብ ፈረንሳ ክትነብሩ ምስ ትደልዩ፡ ምልከት ቋንቋ ፈረንሳ ሓደ ካብ ናይ ግድን ክህልወኩም ዘለዎ ቋንቋ'ዩ፡

ብዘይካ'ዚ ዋላ'ውን እቶም ኣብ ካልኦት ቋንቋ ፈረንሳ ከም ቀንዲ ቋንቀአን ዝጥቀማሉ ሃገራት ከም በዓል ካናዳ፡ ስዊዘርላንድ፡ በልጂዩምን ካልኦትን ነዚ ቋንቋ መሊኽኩም ተመረጽትን ተጠለብትን ክትኮኑ ይሕግዘኩም'ዩ።

እዚ ስልጠና ብፍላይ ከም ስደተኛታት ኮይንኩም ኣብ ፍራንስ ንእትቕመጡ ሰባት፡ ምስ መነባብሮ፡ ባህልን ልምድን ህዝቢ ፈረንሳይ ዝኸይድ ዓይነት ስልጠና ቋንቋ ፈረንሳ ኮይኑ፡ ንቋንቋ ፈረንሳ ብቅልጡፍን ቀሊልን መንገዲ ክትመልክዎ የኽእለኩም።

እዛ ስልጠና'ዚኣ እምበኣር ንጀመርቲ ኮይና ኣብ ቋንቋ ፈረንሳ ካብ ዘለዎም ውሑድ ኣፍልጦ ናብ ስፊሕን ብዙሕን ከም ዝምዕብል ብምግባር ኣብ ምልከት ምዝራብ፡ ምንባብ፡ ምስማዕ ከሙኡ'ውን ምጽሓፍ ቋንቋ ፈረንሳይ ብዙሕ ኣፍልጦ ክድልቡ ትሕግዞም'ያ፡

እዛ ስልጠና'ዚኣ ንጀመርቲ ኮይና ብፍላይ ግን፡

  • ነቶም ኣብ ፈረንሳ ትቕመጡ ሰደተኛታታት
  • ነቶም ብስራሕ ይኹን ምዝዋር (ቫኬሽን) ናብ ፈረንሳ ትመጹ ሰባት
  • ነቶም ባህልታትን ልምድታትን ናይ ካልሎት ሕብረተ-ሰባት ክትፈልጡ ትህንጠዩ ሰባት
  • ነቶም ኣብተን ቋንቋ ፈረንሳ ከም ቀንዲ ሃገራዊ ቋንቀአን ዝጥቀማሉ ሃገራት እትቕመጡ ሰባት
  • ነቶም ብብዝሑ ቋንቋ ብዙሕ ናይ ስራሕ ዕድል ክህልወኩም ትደልዩ ሰባት
  • ነቶም ኣብ ብዙሕ ክፋላት ዓለም ብንግዲ ትንቀሳቐሱ ሰባት
  • ነቶም ንደቅኹም ቋንቋ ፈረንሳ ብቋንቋ ኣዲኦም (ብትግርኛ) ብቐሊሉ ክመሃሩ ትደልዩ ሰባት

ኣነ ጀማሪ/ት ኢየ፡ እዛ ስልጠና ክወስዳ ይኽእል'ዶ፧

  • እወ ክትወስዳ/ድያ ትኽእል/ሊ ኢኻ/ኺ፡
  • ከም ሓቂ'ውን እዛ ስልጠና ንከምዚ ከማኻ/ኺ ዝበለ ጀማሪ/ት ናይ ቋንቋ ፈረንሳ ዝኾነ/ነት ሰብ'ያ ተዳልያ።

ስለዚ እወ፡ ጀመርቲ ዝኾነ ኣፍልጦ ናይ ቋንቋ ፈረንሳ ዘይብሎምን ቁሩብ ጀሚሮም ኣብ ደሓን ዝኾነ ዝኾነ ማእከላይ ደረጃ ዝጸንሑ ተማሃሮ ነዛ ስልጠና ክወስድዋ ይኽእሉ'ዮም።

እዛ ስልጠና ዘጠቓለለቶም ትምህርትታት እንታይ ኣሎ፧

እዛ ስልጠና ኩሉ፡

1፡ ኣገደስቲ መባእታዊ ክፋላት

  • መእተዊ ብዛዕባ ኣገደስቲ ቋንቋ ፈረንሳ (French language Basics)
  • ፊደላት (L'alphabet)
  • ኣደማምጻ (La prononciation)
  • ክንዲ ኣስማትን ግስን (epeler, s'appeler, être, avoir, parler)
  • ሃገራትን ዜግነትን (Les adjectifs de nationalité)
  • ቁጽርታት ካብ 1 - 100 (Les nombres)
  • ፊደላት ኣደማምጻን (Letters & Sounds)

2፡ ኣብ ህይወት መዓልታዊ ምዝርራብ

  • ሰላምታን ምልላይ ነብስኻን (Salutations et présentations)
  • ብዛዕባ ንብስኻ ምዝራብ (Parler de soi-même)
  • ሕቶታት ምሕታትን ምምላስን (Poser et répondre à des questions)
  • ብዛዕባ መንነት ምዝራብ (Parler de l'identité)
  • ምዝርራብ ብሓፈሻ (Les verbes réguliers en -ER et leur conjugaison)
  • ምዝርራብ ብዛዕባ ግዜ (Exprimer le temps)

3፡ ኣብ ህይወት ብዘጋጥም ምዝርራብ

  • ምዝርራብ ብዛዕባ ቦታታት(Décrire des lieux)
  • ንገዛኻ ምግላጽ (Décrire votre maison)
  • ናይ መዓልታዊ ዝርርብ (communication quotidienne)
  • ሜላ ኣጸሓሕፋ (Pratique d’écriture)
  • ምጽሓፍ ሓጺር ውልቃዊ ደብዳበ (Écrire de courtes lettres personnelles)
  • ምርዳእ ብዛዕባ DELF (Comprendre le DELF)
  • ሓፈሻዊ ዓሙቕ ናይ ምዝርራብን ምንባብን ክእለት

እዝን ካልእ ብሰፊሕን ዓሙቕን ትምህርቲ ሒዛ ትርከብ።

እዛ ስልጠና መዓስ መዓስ'የ ክወስዳ ዝኽእል፡

  • እዛ ስልጠና ኣብ ዝኾነ ግዜ ክትወስድዋ ትኽእሉ ኢኹም፡
  • ገደብ ግዜ'ውን ስለ ዘይብላ ሓንሳብ ምስ ወሰድኩማ ኣብ ዝጠዓመኩም ግዜ ክትከታተልዋ'ውን ትኽእሉ ኢኹም፡

እዛ ስልጠና እንተወሲድኩማ፡

  • ባዕልኹም ኣብ ዝጠዓመኩም ግዜ እንዳ ተማሃርኩም ናብ ዝሓሸ ክእለት ናይ ቋንቋ ፈረንሳ ክትሰጋገሩ ኢኹም፡
  • ኣሰራርዓን ኣዘራርባን ክእለት ቋንቋ ፈረንሳይ ብዙሕ ፍልጠት ክትድልቡ ኢኹም፡
  • ኣብ ኣወዳድቓን ኣበሃህላን ከሙኡ'ውን ሓፈሻዊ ናይ ምዝራብ ክእለትኩም ክብ ከተብሉ ኢኹም፡

ቋንቋ ምፍላጥ ሓደ ሃብቲ'ዩ፡ምፍላጥ ቋንቋ ናይቲ ትነብረሉ ዘለኻ ሃገር፡ ትነግደሉ ዘለኻ ሕብረተ-ሰብ፡ ትመሃረሉ ዘለኻ ኣከባቢ ንህይወት ብዝቐለለ ክትመርሓ ይሕግዘካ፡ ብፍላይ ሓደ ካብቶም ዓለም ለኻዊ ተፈላጥን ተደላይን ቋንቋ ፈረንሳ ምስ ዝኸውን ከኣ'ሞ፡ ህይወትካ ኣብ ብዙሕ ጽላት ህይወት ተመራጺትን ተደላይትን ኮይና ኢኻ ትረኽባ።

ኣብ ፈረንሳ ከም ስደተኛታት እንቕመጡ ዜጋታትና ከኣ እዚ ስልጠና ምስዚ ሕብረተሰብ ፈረንሳ ተሳኒናን ተረዳዲእናን ክንከይድ ጥራይ ዘይኮነ፡ ዋጋ ነብስና ክብ ኣቢልና ኣብ ህይወት ተመረጽትን ተደልይትን ዓይነት ሰባት ኮይንና ክንቀርብ ይሕግዘና፡

“French is the language of love and opportunity. Learn it now.”

“Le français est la langue de l’amour et des opportunités. Apprenez-la maintenant.”

እዛ ስልጠና ወሲድኩም ኣብ ቀዳማይ ክፋል ናይዛ ስልጠና የራኽበና 🙏

Instructor

  Total students: 0

  Total Courses: 1

  Total Feedback: 0

  Total Rating: ()

Hi, I’m Haimanot, a passionate educator with a background in Electrical and Electronics Engineering from the Eritrea Institute of Technology (EIT), and I also studied French at Alliance Française Asmara. I’ve been teaching French and English as a foreign language for about 10 years, offering tut... Learn more

Rating and Reviews

0
0 / 5
0 Rating
5 Stars 4 Stars 3 Stars 2 Stars 1 Stars
(0) (0) (0) (0) (0)

Rate For this course

Please Rate this course

Please provide your feedback for the course.


Total Reviews (0)

This course has no rating or feedback yet!

Recommended for you

Course Features

Lectures : 36

Duration : 6 hours

Access: Lifetime

$99$35 Enroll

ቋንቋ ፈረንሳ ንጀመርቲ

0   (0 Ratings)
$99$35
Enroll

ቋንቋ ፈረንሳ ንጀመርቲ

(0)
$99$35
Enroll
We value your opinion.
Help us serve you better by sharing your feedback.