
መባእታዊ ትምህርቲ ቪዲዮ ኤዲቲን ፕሪመርፕሮ
እዛ ስልጠና ንጀመርቲ ናይ ምቅንባር ቪድዮኦም ክእልተ ደረጃ ብደረጃ ኣትሒዛ ካብ ጀመርቲ ናብ ማእከላይ ደረጃ እተሰጋግር ስልጠና'ያ።


ካብዛ ስልጠና እንታይ ኢኹም ክትመሃሩ፧
ነዛ ስልጠና ክትወስድዋ ከተማልእዎ ዘለኩም ረቛሒታት:
እዛ ስልጠና ንመን'ያ፧
እዛ ስልጠና ኣጠቓሊላቶም ዘላ:
ናይዛ ስልጠና ትሕዝቶታት
Course Description
ሰላም ክቡራት ኣሕዋት፡ እንቋዕ ናብ'ዚ ኮርስ ብሰላም መጻኻ ወይ መጻኺ፡ ስመይ ጴጥሮስ መብራህቱ ይብሃል፡፡ ዝነጥፈሉ ሞያ film maker ኢዩ፡፡ Video editing ድማ ሓደ ካብ'ቲ ዝሰርሓሉ ዘለኹ ኣካል ናይ'ቲ ሞያ'ዩ፡፡
ስለ'ዚ ነታ ዘላትኒ ናይ video Editing ንእሽቶ ተመኩሮ ብዓቕመይ ከም ኮርስ ብስሩዕ ኣዳልየ ኣብ'ዚ ከም instructor ኮይነ መጽየ ኣለኹ፡፡
Video ማለት ኣብዚ ሎሚ እዋን ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ዝዓበዩ ሓበሬታ ነመሓላልፈሉ መንገዲ ወይ ባእታ'ዩ፡፡ ፊልም ይኹን መርዓ ይኹን ዝኾነ vodeo ማለት'ዩ፡፡ ስለ'ዚ ኣገዳስነት ናይ ሓደ video ከም'ዚ ዝተጠቕሰ እንተ ድኣ ኮይኑ ብሉጽ ሓበሬታ መታን ክህልዎ፡ ግቡእ ዝኾነ ኣገባብ ናይ ምርታዕ ወይ editing መስርሕ ድማ ክሓልፍ ኣለዎ ማለት'ዩ፡፡
ስለ'ዚ ኣብ'ዚ ሞያ ተገዳስነት ንዘለኩም ሰባት መባእታዊ ዝኾነ ትምርቲ ብዛዕባ video editing ንምውሳድ ነዛ ኮርስ ክትወስዱዋ ይላቦ፡፡
እዚ ኮርስ መባእታዊ ኮይኑ ንኹሉ ሰብ ክርድኦ ብዝኽእል ብቛንቛ ትግርኛ'ዩ ተዳልዩ ዘሎ፡፡ ስለ'ዚ እዛ ኮርስ ከይተምልጠኩም ክትጥቀሙላ ይምሕጸን፡፡ ብተወሳኺ ኣብ'ዚ ተዳልዩ ዘሎ ኮርስ ዝኾነ ዘይብርሃሉ ወይ ድማ ሕቶ ምስ ዝህልዎ፡ በዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ቁጽሪ ተሌፎን ብ ዋትስኣፕ ክሓትት ይኽእል'ዩ፡፡
ኣብ ህይወትካ ሎዉጢ ክትገብረላ እትኽእል መዓልቲ ሎሚ'ያ፡፡ ጽባሓ ካልእ መዓልቲ'ያ ስለ'ዚ ነዚ ተረዲእካ ኣብ'ዚ ዓውዲ ተገዳስነት ኣለካ እንተኾይኑ እዛ ኮርስ ንዓኻ'ያ ትምልከት ወይ ትምልከተኪ፡፡
የቐንየለይ !
Instructor
Total students: 86
Total Courses: 2
Total Feedback: 13
Total Rating: (4.9)
I am a video editor with over 6 years of experience working with Adobe products, specifically Adobe Premiere Pro. I am proficient in all aspects of video editing, from basic cuts and transitions to more complex effects and compositing. I have a strong work ethic, am creative and detail-oriented, and... Learn more
Rating and Reviews
Total Reviews (9)








