
ምቅንባር ስእሊ ኣብ ካንቫ - ግራፊክ ዲዛይነር - Canva
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ይኹን ካልእ ናይ ቢዝነስ ዲዛይን ናይ ኣሳእላት ዋላ'ውን ናይ CV ይኹን ካልእ ካርድታት መጽሓፊ እዛ ስልጠና እኽልቲ'ያ።


ካብዛ ስልጠና እንታይ ኢኹም ክትመሃሩ፧
ነዛ ስልጠና ክትወስድዋ ከተማልእዎ ዘለኩም ረቛሒታት:
እዛ ስልጠና ንመን'ያ፧
እዛ ስልጠና ኣጠቓሊላቶም ዘላ:
ናይዛ ስልጠና ትሕዝቶታት
Course Description
ስእሊ መቀናበሪ ዝበለጸ ኣፕሊኬሽን ካንቫ ብሓጺር ግዜ ተማሃሮ
ኣብ ምቅንባር ስእሊ ብቐሊሉ ኣብ ሓጺር ግዜ ተማሂርካ ጽቡቕ ፍልጠት ክትሕዝ ትደሊ'ዶ፧
ደስ ዝበለካ ብዛዕባ Canva ትምህርቲ ክትወስድ ትኽእል ኢኻ።
ኣብነት ኣነ ዝሰራሕኩዎም ስእልታት ኣብዚኤን ሊንክታት ረአ
- https://www.youtube.com/c/Mefth/videos
- https://www.userparser.com/blog/
- https://www.userparser.com/blog/what-data-a-website-can-collect
ልክዕ ከሙኡን ካቡኡ ዝበልጽን ስእልታት ክትገብር እንተደኣ ደሊኻ እዛ ኮርስ ብዙሕ ክትሕግዘካ ትኽእል ኢያ።
እዛ ኮርስ እንተወሲድካያ ባዕልኻ
- ናይ ፈይስቡክ ፖፋይል ትሰርሕ
- ናይ ፈይስቡክ ፖስት ስእሊ ተዳሉ
- ናይ ፈይስቡክ ካቨር ተዳሉ
- ናይ ዩትዩብ ታምነይል ትሰርሕ
- ናይ ዩትዩብ ካቨር ትሰርሕ
- ናይ ትካልካ ሎጎ (ኣርማ) ትሰርሕ
- ናይ ኢንስታግራም ፖስት ትሰርሕ
- ናይ ጥምቀት ስእልታት ትሰርሕ
- ናይ ዝኾነ ጽምብል ስእልታት ተቀናብሮ
- ናይ ዝኾነ ሰሻል ሚድያ ስእልታትካ ባዕልኻ ተቀናብሮ
ኩሉ ንስኻ ትገብሮ ነዛ ኮርስ ወሲድካ ክትመሃር ድልው ምዃን ጥራይ'ዩ።
ጽቡቕ ጎኒ ናይዛ Canva ትበሃል መቀናበሪት ኣፕሊኬሽን 👇
ኣብ ሞባይልካን ኮምፕዩተርካን ክትስርሓላ ትኽእል ኢኻ፡
ዝኾነ ተውርዶ ዓቢ ሶፍትዌር የለን ኣብ ኖርማል ክሮም ብራውዘር ኣቲኻ ኩሉ ዘድልየካ ምቕይያር ክትገብር ትኽእል ኢኻ።
ኩሉ ስእልታትካ ኣብታ ኣፕሊኬሽን ስለ ዝኽዘን ካብ ምድምሳስ ስግኣት የብልካን።
ሕማቕ ጎኒ ናትዛ መቀናበሪት ኣፕ👇
ብዘይ ኢንተርነት ኣይትስርሕን'ያ።
ብኽፍሊትን ብነጻን ኢያ ትሰርሕ፡
ኣዝዩ ብሉጽ ስእልታትን ምቀናበሪታትን እንተደሊኻ ወርሓዊ $3 ከፊልካ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ብነጻ ከኣ ንቐጻሊ ብነጻ'ዩ ከም ደስ ዝበለካ'ውን ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ።
🔥 እቲ ዝኽፈሎ ብዘይ ክፍሊት ክትጥቀመሉ ዘኽእለካ ምስጢር ግን ኣብዚኣ ክሕብረካ'የ።
👌ኣስተውዕል፡ ፎቶሾፕን ካንቫን በበይኖም ኢዮም፡ ሓደ ዝገብሮም ክልቲኦም መቀናበሪ ስእልታት'ዮም እንተኾነ ግን ፎቶሾፕ ግዜ ወሲድካ ብዙሕ ነገር ክትሰርሓሉ ዘኽእል ክኸውን እንከሎ ካንቫ ግን ኣብ ሓጺር ግዜ ክትክእሎን ዝደለኻዮ ስእሊ ከኣ ከተቀናብረሉን እትኽእል ዓይነት ኣፕሊኬሽን'ዩ፡ ክልቲኦም ነናቶም ሕማቕን ጽቡቕን ግድኒ ኣለዎም፡ ስለዚ ካንቫ መተካእታ ናይ ፎቶሾፕ ኣይኮነን እንታይ ደኣ ናይ ባዕሉ ፍሉይ ቅዲ ዝኽተል መቀናበሪ ኣፕሊኬሽን'ዩ።
😀 ነዛ ኮርስ እንተወሲድካያን ኩሉ እቲ ቪድዮታት እንተተዓዚብካዮን እመነኒ ወትሩ ክትሕጎሰላ ኢኻ።😀
Instructor
Total students: 358
Total Courses: 6
Total Feedback: 53
Total Rating: (4.9)
I am a full-stack web developer with more than 5 years of experience working with HTML, CSS, JS, AJAX, JSON, PHP, and SQL. I am knowledgeable in all facets of web development, including front-end and back-end. I am a proactive learner who is always looking for new opportunities to increase the scope... Learn more
Rating and Reviews
Total Reviews (11)










