
Mastering MySQL | From Zero to Database Hero
🚀 MySQL ካብ ባዶ ተማሃሩ! ናይ SQL queries ምጽሓፍ፣ ዳታቤዝ ዲዛይን ምግባርን ዳታ ከም ፕሮ ምምሕዳርን-ተመኩሮ ኣየድልን። 🚶♂️ጉዕዞ ዳታኹም ሎሚ ጀምሩ! 💡💻


ካብዛ ስልጠና እንታይ ኢኹም ክትመሃሩ፧
ነዛ ስልጠና ክትወስድዋ ከተማልእዎ ዘለኩም ረቛሒታት:
እዛ ስልጠና ንመን'ያ፧
እዛ ስልጠና ኣጠቓሊላቶም ዘላ:
ናይዛ ስልጠና ትሕዝቶታት
Course Description
ስልጠና ማይ-ኤስኪውኤል ( MYSQL) ንጀመርቲ
👋 እንቋዕ ደሓን መጻኹም ናብ ስልጠና ማይ-ኤስኪውኤል ንጀመርቲ🎉📚
1️⃣ብዛዕባ ኣብ ኦንላይን ዘሎ ናትና ሓበሬታ ኣበይ ይቕመጥ ሓሲብኩም ትፈልጡ'ዶ፧ ንኣብነት ኣብ ፈስቡክ ዘሎ ፖስትታት፡ ኣብ ዩትዩብ ዘሎ ኣዝዩ ብዙሕ ቪድዮታት ብሓፈሻ ኣብ ኩሉ ሶሻል ሚድያ ዘሎ ትሕዝቶታት ኣበይ ይቕመጥ ሓሲብናሉ ንፈልጥ'ዶ፧
2️⃣ሐራይ እዚ ኣበይ ይቕመጥ'ሲ ዘይንፈልጥ ክንከውን ንኽእል ኢና፡ ናይ ሞባይልና ስእልታትን ቪድዮታትን'ከ፡ ኦው 😊
ናይ ሞባይልና ስእልታትን ቪድዮታትን ኣብ ናይ ሞባይልና ሚሞርይ ከም ዝቕመጥ ንፈልጥ ኢና ሓቀይ 😊
ሐራይ ናይዞም ዝበልናዮም ዓበይቲ ሶሻል ሚድያ ሓበሬታ'ኸ፧
💡መልሱ፡ ንሱ'ውን ኣብ ናቶም ኮምፕዩተር'ዩ ዝቕመጥ፡ ንሕና ከኣ ብመገዲ ኢንተርነት ተጠቂምና ክንከታተሎ ክኢልና ኣለና ማለት'ዩ፡ ዋላ'ውን እዛ ተንብብዋ ዘለኹም ጽሕፍቲ ትኹን እዚ ኣብዛ ስልጠና ዘሎ ኩሉ ዓይነት ቪድዮታት'ውን እንተኾነ ኣብ ናይ Mefth Academy ኮምፕዩተር ማለት ሰርቨር'ዩ ተኸዚኑ ዘሎ፡
እዞም ኩሎም ዝበልናዮም ዓበይቲ ናይ ሶሻል ሚድያ ፕላትፎርምታት ንሓበሬታቶም ከቐምጥዎ እንከለው ናቱ ኣገባብ ኣቐማምጣ መንገዲ ኣለዎ፡ ምኽንያቱ ከምዚ ናይ ሞባይልና ኩሉ ቪድዮታትን ስእልታን ብሓንሳብ ኣብ ጋለሪ ትረኽቦ ክኸውን ስለ ዘይብሉ'ዩ፡ ናይዚ ምኽንያት ከኣ፡ ናይቲ ሓደ ዩትዩበር ቪድዮታት እቲ ሓደ ከይቆጻጸሮ ነናቶም ቪድቶታት ባዕሎም ከም ድላዮም ክቆጻጸርዎ እንተኾይኖም እቲ ቪድዮታቶም ብዝተፈልየ ኣገባብ ከተሓዝ ኣለዎ፡ ነዚ ሓበሬታ'ዚ ዋንነቱን ኣቀማምጡኡን ከነማሓድረሉ ዘኽለና'ምበኣር ሓደ ካብቶም ብዙሓት እዚ ኣብዛ ኮርስ ትመሃርዎ ማይ-ኤስኪውኤል'ዩ (MYSQL)።
ብዘይኩኡ ኣብ ሶሻል ሚድያ ብኢመይልናን ፓስዎርድናን ተመዝጊብና ናትና ኣካውንት ሒዝና ክንነጥፍ እንከለና፡ እቲ ፓስዎርድ ክንጋገ እንከለና ተጋጊኹም ዝብለና ብዓቡኡ እዚ ብመንገዲ ማይ-ኤስኪውኤል (MYSQL)'ን ከሙኡ ዝኣመሰሉ ናይ ሓበሬታ መማሓደርቲ ፕሮግራሚን ላንጎጅስ'ዩ ዝካየድ፡
ማይ-ኤስኪውኤል (MYSQL) ኣብ ዕዳጋ ሓደ ካብቶም ዝበዝሕ ተጠቀምቲ ዘለዎ ኮይኑ ነዚ ኣብ ሰርቨር (ኮምፕዩተር ናይ ዓበይቲ ፕላትፎርምታት) ዝተቐመጠ ሓበሬታ መማሓደሪ ንጥቀመሉ ዓይነት ፕሮግራሚን ላንጎጅ'ዩ፡
እዛ ስልጠና'ዚኣ እምበኣር ንጀመርቲ ኮይና ኣብ ማይ-ኤስኪውኤል (MYSQL) ካብ ዘለዎም ውሑድ ኣፍልጦ ናብ ስፊሕን ብዙሕን ከም ዝምዕብል ብምግባር ኣብ ምሕደራ ሓበሬታ ኣብ ንኣሽቱ ይኹን ኣብ ዓበይት ፕላትፎርምታት ብዙሕ ኣፍልጦ ክድልቡ ትሕግዞም'ያ፡
እዛ ስልጠና'ዚኣ ንጀመርቲ ኮይና ብፍላይ ግን፡
- ነቶም ኣማዕበልቲ ወብሳይት ወይ ኣፕሊኬሽን ዝኾንኩም
- ንባክ-አንድ ደቨሎፐርስ ዝኾንኩም
- ነቶም ኣብ ዝተፈላለዩ ዓበይትን ናኣሽቱን ትካላት ከም ፉልስታክ ደቨሎፐርስ ኮይንኩም ክትሰርሑ ትደልዩ
- ነቶም ኣብ ዳታ ኣናልይቲክስ ማለት ጸብጻባት ሓበሬታ ክትነጥፉ ትደልዩ
- ነቶም ኣብ ናይ ምቁጽጻርን ምምሕዳርን ሓበሬታ ናይ ትካላት ስራሕ ክትነጥፉ ትደልዩ
- ነቶም ኣብ ኩሉ ጽላት ቴክኖሎጂ ክትነጥፉ ትደልዩ እዚ ናይ ማይ-ኤስኪውኤል (MYSQL) ስልጠና'ዚ ነዓኹም'ዩ፡
ኣነ ጀማሪ/ት ኢየ፡ እዛ ስልጠና ክወስዳ ይኽእል'ዶ፧
- እወ ክትወስዳ/ድያ ትኽእል/ሊ ኢኻ/ኺ፡
- ከም ሓቂ'ውን እዛ ስልጠና ንከምዚ ከማኻ/ኺ ዝበለ ጀማሪ/ት ናይ ማይ-ኤስኪውኤል (MYSQL) ዝኾነ/ነት ሰብ'ያ ተዳልያ።
ስለዚ እወ፡ ጀመርቲ ዝኾነ ኣፍልጦ ናይ ማይ-ኤስኪውኤል (MYSQL) ዘይብሎምን ቁሩብ ጀሚሮም ኣብ ደሓን ዝኾነ ማእከላይ ደረጃ ዝጸንሑ ተማሃሮ ነዛ ስልጠና ክወስድዋ ይኽእሉ'ዮም፡
🎯 ዕላማኹም ክትመልኩ ሓደ ስጉምቲ ቀሪብኩም ኣለኹም።
🙏 ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኮርስና ስለ ዝበጻሕኩም የቐንየልና — 🚀 ሰናይ ምጀማር!
Instructor
Total students: 28
Total Courses: 4
Total Feedback: 9
Total Rating: (4.1)
I am experienced Python developer with a passion for innovative and user-friendly applications. Skilled in Django, Flask, and various Python libraries. Proficient in InDesign and Autodesk Fusion 360 for design and 3D CAD. Constantly seeking opportunities to enhance knowledge and skills. Let's c... Learn more
Rating and Reviews
Total Reviews (0)
This course has no rating or feedback yet!
Recommended for you
Mastering MySQL | From Zero to Database Hero
(0)Help us serve you better by sharing your feedback.