
ማይክሮሶፍት ኤክሰል ብዕምቆት ንጀመርቲ
ኣብ ማይክሮሶፍት ኣፍልጦኹም ዘለኩም ኣፍልጦ ከተዕብዩን ከተስፍሕዎን ምስ ትደልዩ እዛ ናይ ማይክሮሶፍት ኮርስ ውሰዱ።


ካብዛ ስልጠና እንታይ ኢኹም ክትመሃሩ፧
ነዛ ስልጠና ክትወስድዋ ከተማልእዎ ዘለኩም ረቛሒታት:
እዛ ስልጠና ንመን'ያ፧
እዛ ስልጠና ኣጠቓሊላቶም ዘላ:
ናይዛ ስልጠና ትሕዝቶታት
Course Description
ምሉእ ናይ Microsoft Excel ስልጠና
ብቐሊሉ ናይ ኢክሰል ማስተር ኩን
እዛ ስልጠና ብዛዕባ ማይክሮሶፍት ኤክሰል ኮይና እቲ ንኣብ ኦፊስን ካልእ ክፋላት ንግዲ ዓለምና ዘንቀሳቕስ ዘሎ መትሓዚ ሰንጠረጃዊ መኽዘን ሓበሬታ ማይክሮሶፍት ኤክሰል ብግቡእ ክትምሃር ትሕግዝ ስልጠና ኢያ።
እዛ ስልጠና ንጀመርትን ንኣብ ስራሕ ንዝጸንሑን፡ ናይ ማይክሮሶፍት ኤክሰል ተማሃሮ ተባሂላ ኢያ ተሰሪሓ።
እዛ ኮርስ እንተወሲድካያ፡
ባዕልኻ፡
- ንማይክሮሶፍት ኦፊስ ባዕልኻ ከፊትካ ብዝግባእ ክትሰርሓሉ ትኽእል
- ዓበይቲ ሓበሬታታት ዝሓዘሉ ሰንጠረጃት ጸብጻብ ከተዳሉ ትኽእል
- ብባር ቻርትን ካልእ ምስላዊ ብዙሕ ጸብጻብ ዝሓዘሉ ካርታታት'ውን ባዕልኻ ከተዳሉ ትኽእል
- ንዝተፈላለዩ ሓበሬታታት ካብን ናብን ሰንጠረጅ ከተሰጋግሮም ትኽእል
- ኣብ ዓበይትን ንኣሽቱን ቤት-ጽሕፈታት ጸብጻባዊ ትሕዝቶ ትካል በዚ ኤክሰል ገይርካ ሰሪሕኻ ከተዳሉ ኣይትሽገርን
ኣብዛ ስልጠና ኩሉ ብዛዕባ Microsoft Excel ተገሊጹ ኣሎ፡ ሓደ ድሕሪ ሓደ ቀደም ተኸተል ብዝርዝር ኩሉ ተገሊጹ ስለ ዘሎ፡ ካብዛ ስልጠና እኹል ኣፍልጦ ናይ Microsoft Excel ክህልወካ'ዩ።
እንታይ የድልየኒ እዚ ስልጠና ክወስዶ፧
ቀሊል፡ እዚ ኮርስ ክትመሃሮ ዘድልየካ/ኪ፡
- ኮምፕዩተርን (Windows 7/ 10/11)
- ተገዳስነትን ጥራይ
መዓስ መዓስ ኢዩ እዚ ትምህርቲ
ብልጫታት ናይዚ ስልጠና ደኣ እዚ እንድዩ
- እዚ ቪድዮ ድሉው/ስሩሕ ኢዩ ኣብ ዝጠዓመካ ኢኻ ትከታተሎ፡
- ገደብ ግዜ'ውን ስለ ዘይብሉ ኣብታ ዘቋረጽካያ ክፋል መጺኻ ኢኻ ትቕጽላ፡
- ስለዚ መዓልትን ሰዓትን ባዕልኻ ኢኻ ትቆጻጸሮ
- እዚ ስልጠና ብቋንቛ ትግርኛ ዝተዳለወ ኢዩ።
- ብዙሕ መለማመድን ንጹር ቪድዮታትን ዝሓቖፈ'ዩ
- ወትሩ ዝሕደስ ምዃኑ
ከመይ ዓይነት ሰብ ኢዩ ነዚ ስልጠና ዝወስዶ፧
ነዚ ስልጠና ክወስዶ ዝኽእል ሰብ ዝኾነ ሰብ ኮይኑ ብፋላይ ግን፡
- ኣብ ዝተፈላለዩ ቤት ጽሕፈት ክሰርሕ ንዝደሊ
- ኣብ ዝኾነ ንግዲ ክሰርሕ ንዝደሊ
- ናቱ ዝኾነ ዓይነት ትካል ንዘለዎ ወይ ከውጽእ ንዝደሊ
- ናይ ኣካውንታንት ክመሃር ወይ ክፈልጥ ንዝደሊ
ጥቕምታት ኤክሰል ንኣብ ንግዲ ዘለው እንታይ'ዩ፧
ኣዝዩ ብዙሕ ጥቕምታት ኢዩ ዘለዎ ንሰብ ቢዝነስ ንሱ ከኣ፡
- ምቁጽጻር ኣታውን ወጻእን ትካላቶም ክቖጻጸሩ ብቐሊሉ ይሕግዞም
- ዕላማታቶምን ናይ መጻኢ መደባታቶምን ክሰርዑ ይሕግዞም
- ኣብ ምውድዳርን ምርኣይን ኣዝዮም ዓበይቲ ሓበሬታ
- ምቁጽጻር ብዝሕን ደረጃን ሰራሕተኛታት ትካል
- ኣብ ንግዲ ኮታ ኩሉ ነገር ምኽንያቱ ኤክሰል ማለት ጸብጻብ ማለት ስለ ዝኾነ
ካብ ቢዝነስ ወጻኢ ዘሎ ሰብ'ከ እንታይ ክጥቀመሉ ይኽእል፧
ማይክሮሶፍት ኤክሰል ማለት ሰንጠረጅ ናይ እኩብ ሓበሬታ ማለት'ዩ፡
ስለዚ ሓደ ውልቀ-ሰብ ኣብ ናይ ውልቁ ህይወት ክጥቀመሉ ይኽእል'ዩ ንኣብነት
- ኣብ ወርሓዊ ሕሳባት ኣታውን ወጻእን ጸብጻብ ንምግባር ይጥቀመሉ
- ናይ ኣካላዊ ምንቅስቃስ ጉዕዞ ብጸብጻብ ካርታ ክሕዞ ይሕግዝ
- ናይ ኣመጋግባ ሰንጠረጅ ከዳሉን ክከታተልን ይሕግዝ
- ናይ ዕድጊ ጸብጻብ'ውን ብተርታ ዝተዳለወ ሰንጠረጅ ከዳሉ ይሕግዝ
- ጸብጻባዊ ዕላማታቱ ክሰርዕን ክሕሉን ይሕግዝ
ብፍሉያት ብልጫታት ኤክሰል ግን እንታይ'ዮም፧
- ዝደለኻዮ ሓበሬታ ብዝቐለለ መልክዑ ቀደም ተኸተል ከም ዝዝርጋሕ ገይርካ ከተቕርብ ይሕግዝ
- ምውህሃድን ምእታውን ሓበሬታ ብዝቐለለ መልክዑ ክትጥቀመሉ ትኽእል
- ኣብ ኩሉ ትገብሮ ጸብጻብ ትኽክልን ኣውቶማቲክን ቅማረ ክህልወካ ይሕግዝ
- ምምርማርን ምጽናዕን ሓበሬታ ብቐሊሉ ክትረኽቦ ይሕግዝ
- ጸብጻባት ኣብ ምድላይ ወይ ምስራዕ ብጽማቕ፡ ብቕርጺ፡ ብምስራሕን ምምላስን ጌጋታት ኣብ ምድላይን ኮታ ኣዝዩ ብብዙሕ ንጥፈታቱ ኣዝዩ ብሉጽ ይገብሮ።
ስለዚ ኣብ ንግዲ ዓለም ኢድካ ከተእቱ እንተደሊኻ ሎሚ ንማይክሮሶፍት ኤክሰል ተማሃሮ፡
ስለዚ ሎሚ ተማሃር ................
Instructor
Total students: 28
Total Courses: 3
Total Feedback: 9
Total Rating: (4.1)
I am experienced Python developer with a passion for innovative and user-friendly applications. Skilled in Django, Flask, and various Python libraries. Proficient in InDesign and Autodesk Fusion 360 for design and 3D CAD. Constantly seeking opportunities to enhance knowledge and skills. Let's c... Learn more
Rating and Reviews
Total Reviews (2)

