Mefth Loader Gif

ምሉእ ናይ WordPress ስልጠና - ምስራሕ ወብሳይት

ወብሳይት ንዓኹም ይኹን ንኻሎኦት ሰባት ከም ንግዲ ሰሪሕኹም ከተዳልው ምስ ትደልዩ እዛ ስልጠና እዚኣ ነዓኹም'ያ፡ ኣብ ዎርድፕረስስ ዓሙቕ ኣፍልጦ ምስ ትደልዩ እዛ ስልተና እዚኣ ውሰዱ።

5   (2 Ratings) 27 Students 22 hours of videos. Course in: Tigrinya Language For Beginners Level Last updated on: 4 May, 2025

Instructor Badge Kifle Tesfay

Course Features

Lectures : 104

Duration : 22 hours

Access: Lifetime

$54$49 Enroll

ካብዛ ስልጠና እንታይ ኢኹም ክትመሃሩ፧

ንዎርድፕረስ ኣብ ኮምፕዩተሮም ኣውሪዶም ባዕሎም ዝደለይዎ ዓይነት ወብሳይት ክሰርሑ ይኽእሉ፡ ኣብ ኢንተርነት ክዝርጋሕ ዝኽእል ናይ ዝተፈላለዩ ንግዲ ዓይነት ወብሳይት ክትሰርሕ የኽእል

ነዛ ስልጠና ክትወስድዋ ከተማልእዎ ዘለኩም ረቛሒታት:

ኮምፕዩተርን ኢንተርነትን ግዜን ተገዳስነትን ነዚ ኮርስ ተገዲስካ ምክታትልን ጽቡቕ ልምምድ ምግባርን

እዛ ስልጠና ንመን'ያ፧

ባዕሉ ወብሳይቱ ክሰርሕ ንዝደሊ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝነጥፍ ሰብ፡ ዝኾነ ዓይነት ወብሳይት ሰሪሑ ክሸይጥ ንዝደሊ፡ ንኣብ ዲዛይን ንፉዕ ዝኾነ ሰብ፡ ሓፈሻዊ ልዑል ክእለት ናይ ምስራሕ ወብሳይት ባህግን ድልየትን ዘለዎ ሰብ

እዛ ስልጠና ኣጠቓሊላቶም ዘላ:

Lectures : 104 Language: Tigrinya Duration : 22 hours Students : 27 Certificate: Yes Payment: Once Access: on any device Access: Lifetime

ናይዛ ስልጠና ትሕዝቶታት

Section 3: WordPress Basics (1)
Section 8: WordPress users (1)
Section 18: WordPress Email (1)

Course Description

ምሉእ ስልጠና ምስራሕ ወብሳይት ብ WordPress

ብቐሊሉ ኪኢላ ሰራሒ ወብሳይት ኩን/

እዛ ስልጠና ብዛዕባ ምምዕባል ወብሳይት ኮይና፡ እቲ ናይዚ ዘመንና ኣድላይን ቀንድን ኮይኑ ዘገልግል ዘሎ ምምዕባል ወብሳይት ኣተኩራ ዝቐረበት ኮይና ቀንዲ ግን ብፍሉይ ነቲ ንልዕሊ 43% ወብሳይታት ዓለምና ኣመስሪሑ ዘሎ ኣዝዩ ብሉጽ CMS (Content Management system) ዝኾነ ዎርድፕረስ ምሉእ ትሕዝቶ ዝሓዘለት ኢያ። ንኣብ ዝኾነ ደረጃ ዘሎ ኣማዕባሊ ወብሳይት ብዎርድፕረስ እዛ ኮርስ እዚኣ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ክተብጽሖ ትእኽል ዓይነት ኮርስ ኢያ።

እዛ ስልጠና ንጀመርትን ንኣብ ስራሕ ምምዕባል ወብሳይት ብዎርድፕረስ ዝጸንሑን ናይ WordPress ተማሃሮ ተባሂላ ኢያ ተሰሪሓ።

ዎርድፕረስ ነጻን ዝበዝሕ ሰብ ዝጠቀመሉን ዝበለጸ መስርሒ ወብሳይት ሶፍትዌር'ዩ።

እዛ ኮርስ እንተወሲድካያ/ክያ፡

ባዕልኻ/ኺ፡

  • ንዎርድፕረስ ኣብ ኮምፕዩተርካ ኣውሪድካ ባዕልኻ ዝደለኻዮ ዓይነት ወብሳይት ክትሰርሕ ትኽእል፡
  • ዝተፈላለያ ዓይነታት ወብሳይታት ክትሰርሕ ትኽእል፡
  • ንኻሎኦት ትካላት ይኹና ወልቀሳባት'ውን ባዕልኻ ወብሳይት ሰሪሕኻ ክትሸይጥ ትኽእል፡
  • ዓቢ ናይ ዕዳጋ ወብሳይት'ውን ባዕልኻ ክትምስርት ትእኽል፡
  • ምሉእ ኣሰራርሓ ወብሳይት ብኽልሰ-ሓሳብን ተግባርን ትመሃሮ።

ኣብዛ ስልጠና ኩሉ ብዛዕባ WordPress ተገሊጹ ኣሎ፡ ሓደ ድሕሪ ሓደ ቀደም ተኸተል ብዝርዝር ኩሉ ተገሊጹ ስለ ዘሎ፡ ካብዛ ስልጠና እኹል ኣፍልጦ ናይ WordPress ክህልወካ'ዩ።

እንታይ የድልየኒ እዚ ስልጠና ክወስዶ፧

ቀሊል፡ እዚ ኮርስ ክትመሃሮ ዘድልየካ/ኪ፡

  • ኮምፕዩተርን፡
  • ተገዳስነትን ጥራይ'የን።

ጀመርቲ ዋላ ሓንቲ ናይ ምምዕባል ወብሳይት ኣንፈት ዘይብሎም'ከ እዚ ስልጠና ክወስድዎ ይኽእሉ'ዶ፧

እወ ክወስድዎ ይኽእሉ ኢዮም፡ ኩሉ ዘድልዮም

  • ነዚ ኮርስ ተገዲሶም ብምክታትልን፡
  • ጽቡቕ ልምምድ ምግባርን ጥራይ'ዩ።

መዓስ መዓስ ኢዩ እዚ ትምህርቲ፧

ብልጫታት ናይዚ ስልጠና ደኣ እዚ እንድዩ፡

  • እዚ ቪድዮታት ድሉው/ስሩሕ ኢዩ፡ ኣብ ዝጠዓመካ ኢኻ ትከታተሎ፡
  • ገደብ ግዜ'ውን ስለ ዘይብሉ ኣብታ ዘቋረጽካያ ክፋል መጺኻ ኢኻ ትቕጽላ፡
  • ስለዚ መዓልትን ሰዓትን ባዕልኻ ኢኻ ትቆጻጸሮ፡
  • እዚ ስልጠና ብቋንቛ ትግርኛ ዝተዳለወ ኢዩ፡
  • ብዙሕ መለማመድን ንጹር ቪድዮታትን ዝሓቖፈ'ዩ፡
  • ወትሩ ዝሕደስ ምዃኑ።

ከመይ ዓይነት ሰብ ኢዩ ነዚ ስልጠና ዝወስዶ፧

ነዚ ስልጠና ክወስዶ ዝኽእል ሰብ ዝኾነ ሰብ ኮይኑ ብፋላይ ግን፡

  • ባዕሉ ወብሳይቱ ክሰርሕ ንዝደሊ፡
  • ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝነጥፍ ሰብ፡
  • ዝኾነ ዓይነት ወብሳይት ሰሪሑ ክሸይጥ ንዝደሊ፡
  • ኣብ ዲዛይን ንፉዕ ዝኾነ ሰብ፡
  • ሓፈሻዊ ልዑል ክእለት ናይ ምስራሕ ወብሳይት ባህግን ድልየትን ዘለዎ ሰብ።

ጥቕምታት ምስራሕ ወብሳይት ብዎርድፕረስ እንታይ'ዩ፧

ኣዝዩ ብዙሕ ጥቕምታት ኢዩ ዘለዎ፡ ንሱ ከኣ፡

  • ባዕልኹም ወብሳይት ክትሰርሑ ትኽእሉ እዚ ከኣ ካብ ንኻሎኦት ብዙሕ ከፊልኩም ከምዚኣ ወብሳይት ስርሑለይ ምባል ትድሕኑ፡
  • ዝኾነ ናይ ኦንላይን ድኳን ወብሳይት ባዕልኹም ከተማዕብሉ ትኽእሉ፡
  • ኣዝዩ ቀሊል ኮይኑ ዝኾነ ኮድ ምግባር ወይ ኮዲንግ ምምሃር ኣየድልየኩምን'ዩ፡
  • ዝደለኹሞ ሕቶ ኣብ ጉግል ሓቲትኩም ብቐሊሉ መልሲ ክትረኽቡ ትኽእሉ፡ ኣነ'ውን ወትሩ ምሳኹም ኣለኹ።

ወብሳይት ኣማዕቢሉ ዘይፈልጥ ጀማሪ'ኸ ክጥቀመሉ ይኽእል'ዶ፧

ዎርድፕረስ ማለት እቲ ዝቐለለ ወብሳይት መስርሒ ሶፍትዌር'ዩ፡

ስለዚ ዝኾነ ሰብ ወብሳይት ክሰርሓሉ ይኽእል'ዩ፡ ሓደ ጀማሪ ነዛ ኮርስ እንተወሲድዋ፡

  • ብብዛዕባ ዎርድፕረስ ዝኾነ ተመኩሮ ኣየድልዮን'ዩ፡ ኩሉ ኣብዛ ኮርስ ተገሊጹ ኣሎ፡
  • ካብ ግበሩለይን ብዙሕ ወጻኢታትን ኣብ ምስራሕ ወብሳይት ይድሕን፡
  • ብፍላይ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝነጥፍ እንተደኣ ኮይኑን ወብሳይት ክህልዎ ምስ ዘደልን፡ እዚ ኮርስ'ዚ ንዑኡ ተባሂሉ ዝትሰርሐ'ዩ ክበሃል ይከኣል።

ፍሉያት ብልጫታት ዎርድፕረስ ግን እንታይ'ዮም፧

  • እዚ ሶፍትዌር'ዚ ብዝደለኻዮ ቅዲ ዲዛይን ሰሪሕኻ ብሉጽቲ ወብሳይት ከተዳሉ ይሕግዝ፡
  • ገደብ ዓይነታት ትሰርሖም ወብሳይታት የብሉን፡
  • ናይ ኦንላይን ድኳን፡ ብሎግ፡ ጽሑፍ ትዝርግሓሉ፡ ንትካላት'ውን ዝኾነ ዓይነት ወብሳይት ትሰርሓሉ'ዩ፡
  • ኣዝዩ ዘተዓጻጽፈን ኣዝዩ'ውን ብዙሕ ክትሰርሓሉ ዘኽእልን ናይ ፕላግኢን ብልጫታት ኣለዎ፡
  • ዎርድፕረስ ነጻን ኦፐን ሶርስን ኢዩ፡ ስለዚ ትኸፍሎ ክፍሊት የለን፡
  • ዘይከም ካሎኦት መስርሒ ወብሳይት CMS ፡ ዎርድፕረስ ብብዝሒ ፕላግኢን ከሙኡ'ውን ቲምስ ዝሓዘለ'ዩ፡ ስለዚ ዝደለኻዮ ዓይነት ወብሳይት ከተማዕብል ይሕግዝ።

ዎርድፕረስ ኣብ ዓለም ዘለዋ ወብሳይታት ንልዕሊ 43% ኣመስሪሑ ዝርከብ ናይ ነጻ ሶፍትዌር'ዩ።

ኣብዚ ግዜ'ዚ ንግዲ እንተኢልካ ወብሳይት ኢያ ቅድም ትመጽእ፡ ንዓኻ ይኹን ንመቕርብካ፡ ንንግዲ ይኹን ንሰናይ ተግባር ኣሰራርሓ ወብሳይት ሎሚ ተማሃር።

ስለዚ ክኢላ ኣማዕባሊ ወብሳይት ክትከውን ነዛ ስልጠና እዚኣ ወሲድካ ሎሚ ተማሃር ........✨........ 🎉

Instructor

  Total students: 358

  Total Courses: 6

  Total Feedback: 53

  Total Rating: (4.9)

I am a full-stack web developer with more than 5 years of experience working with HTML, CSS, JS, AJAX, JSON, PHP, and SQL. I am knowledgeable in all facets of web development, including front-end and back-end. I am a proactive learner who is always looking for new opportunities to increase the scope... Learn more

Rating and Reviews

5
5 / 5
2 Rating
5 Stars 4 Stars 3 Stars 2 Stars 1 Stars
(2) (0) (0) (0) (0)

Rate For this course

Please Rate this course

Please provide your feedback for the course.


Total Reviews (2)

Recommended for you

Course Features

Lectures : 104

Duration : 22 hours

Access: Lifetime

$54$49 Enroll

ምሉእ ናይ WordPress ስልጠና - ምስራሕ ወብሳይት

5   (2 Ratings) 27 Students
$54$49
Enroll

ምሉእ ናይ WordPress ስልጠና - ምስራሕ ወብሳይት

(5)
$54$49
Enroll