
ምሉእ ናይ WordPress ስልጠና - ምስራሕ ወብሳይት
ወብሳይት ንዓኹም ይኹን ንኻሎኦት ሰባት ከም ንግዲ ሰሪሕኹም ከተዳልው ምስ ትደልዩ እዛ ስልጠና እዚኣ ነዓኹም'ያ፡ ኣብ ዎርድፕረስስ ዓሙቕ ኣፍልጦ ምስ ትደልዩ እዛ ስልተና እዚኣ ውሰዱ።


ካብዛ ስልጠና እንታይ ኢኹም ክትመሃሩ፧
ነዛ ስልጠና ክትወስድዋ ከተማልእዎ ዘለኩም ረቛሒታት:
እዛ ስልጠና ንመን'ያ፧
እዛ ስልጠና ኣጠቓሊላቶም ዘላ:
ናይዛ ስልጠና ትሕዝቶታት
Course Description
ምሉእ ስልጠና ምስራሕ ወብሳይት ብ WordPress
ብቐሊሉ ኪኢላ ሰራሒ ወብሳይት ኩን/ኒ
እዛ ስልጠና ብዛዕባ ምምዕባል ወብሳይት ኮይና፡ እቲ ናይዚ ዘመንና ኣድላይን ቀንድን ኮይኑ ዘገልግል ዘሎ ምምዕባል ወብሳይት ኣተኩራ ዝቐረበት ኮይና ቀንዲ ግን ብፍሉይ ነቲ ንልዕሊ 43% ወብሳይታት ዓለምና ኣመስሪሑ ዘሎ ኣዝዩ ብሉጽ CMS (Content Management system) ዝኾነ ዎርድፕረስ ምሉእ ትሕዝቶ ዝሓዘለት ኢያ። ንኣብ ዝኾነ ደረጃ ዘሎ ኣማዕባሊ ወብሳይት ብዎርድፕረስ እዛ ኮርስ እዚኣ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ክተብጽሖ ትእኽል ዓይነት ኮርስ ኢያ።
እዛ ስልጠና ንጀመርትን ንኣብ ስራሕ ምምዕባል ወብሳይት ብዎርድፕረስ ዝጸንሑን ናይ WordPress ተማሃሮ ተባሂላ ኢያ ተሰሪሓ።
እዛ ኮርስ እንተወሲድካያ/ክያ፡
ባዕልኻ/ኺ፡
- ንዎርድፕረስ ኣብ ኮምፕዩተርካ ኣውሪድካ ባዕልኻ ዝደለኻዮ ዓይነት ወብሳይት ክትሰርሕ ትኽእል፡
- ዝተፈላለያ ዓይነታት ወብሳይታት ክትሰርሕ ትኽእል፡
- ንኻሎኦት ትካላት ይኹና ወልቀሳባት'ውን ባዕልኻ ወብሳይት ሰሪሕኻ ክትሸይጥ ትኽእል፡
- ዓቢ ናይ ዕዳጋ ወብሳይት'ውን ባዕልኻ ክትምስርት ትእኽል፡
- ምሉእ ኣሰራርሓ ወብሳይት ብኽልሰ-ሓሳብን ተግባርን ትመሃሮ።
ኣብዛ ስልጠና ኩሉ ብዛዕባ WordPress ተገሊጹ ኣሎ፡ ሓደ ድሕሪ ሓደ ቀደም ተኸተል ብዝርዝር ኩሉ ተገሊጹ ስለ ዘሎ፡ ካብዛ ስልጠና እኹል ኣፍልጦ ናይ WordPress ክህልወካ'ዩ።
እንታይ የድልየኒ እዚ ስልጠና ክወስዶ፧
ቀሊል፡ እዚ ኮርስ ክትመሃሮ ዘድልየካ/ኪ፡
- ኮምፕዩተርን፡
- ተገዳስነትን ጥራይ'የን።
ጀመርቲ ዋላ ሓንቲ ናይ ምምዕባል ወብሳይት ኣንፈት ዘይብሎም'ከ እዚ ስልጠና ክወስድዎ ይኽእሉ'ዶ፧
እወ ክወስድዎ ይኽእሉ ኢዮም፡ ኩሉ ዘድልዮም
- ነዚ ኮርስ ተገዲሶም ብምክታትልን፡
- ጽቡቕ ልምምድ ምግባርን ጥራይ'ዩ።
መዓስ መዓስ ኢዩ እዚ ትምህርቲ፧
ብልጫታት ናይዚ ስልጠና ደኣ እዚ እንድዩ፡
- እዚ ቪድዮታት ድሉው/ስሩሕ ኢዩ፡ ኣብ ዝጠዓመካ ኢኻ ትከታተሎ፡
- ገደብ ግዜ'ውን ስለ ዘይብሉ ኣብታ ዘቋረጽካያ ክፋል መጺኻ ኢኻ ትቕጽላ፡
- ስለዚ መዓልትን ሰዓትን ባዕልኻ ኢኻ ትቆጻጸሮ፡
- እዚ ስልጠና ብቋንቛ ትግርኛ ዝተዳለወ ኢዩ፡
- ብዙሕ መለማመድን ንጹር ቪድዮታትን ዝሓቖፈ'ዩ፡
- ወትሩ ዝሕደስ ምዃኑ።
ከመይ ዓይነት ሰብ ኢዩ ነዚ ስልጠና ዝወስዶ፧
ነዚ ስልጠና ክወስዶ ዝኽእል ሰብ ዝኾነ ሰብ ኮይኑ ብፋላይ ግን፡
- ባዕሉ ወብሳይቱ ክሰርሕ ንዝደሊ፡
- ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝነጥፍ ሰብ፡
- ዝኾነ ዓይነት ወብሳይት ሰሪሑ ክሸይጥ ንዝደሊ፡
- ኣብ ዲዛይን ንፉዕ ዝኾነ ሰብ፡
- ሓፈሻዊ ልዑል ክእለት ናይ ምስራሕ ወብሳይት ባህግን ድልየትን ዘለዎ ሰብ።
ጥቕምታት ምስራሕ ወብሳይት ብዎርድፕረስ እንታይ'ዩ፧
ኣዝዩ ብዙሕ ጥቕምታት ኢዩ ዘለዎ፡ ንሱ ከኣ፡
- ባዕልኹም ወብሳይት ክትሰርሑ ትኽእሉ እዚ ከኣ ካብ ንኻሎኦት ብዙሕ ከፊልኩም ከምዚኣ ወብሳይት ስርሑለይ ምባል ትድሕኑ፡
- ዝኾነ ናይ ኦንላይን ድኳን ወብሳይት ባዕልኹም ከተማዕብሉ ትኽእሉ፡
- ኣዝዩ ቀሊል ኮይኑ ዝኾነ ኮድ ምግባር ወይ ኮዲንግ ምምሃር ኣየድልየኩምን'ዩ፡
- ዝደለኹሞ ሕቶ ኣብ ጉግል ሓቲትኩም ብቐሊሉ መልሲ ክትረኽቡ ትኽእሉ፡ ኣነ'ውን ወትሩ ምሳኹም ኣለኹ።
ወብሳይት ኣማዕቢሉ ዘይፈልጥ ጀማሪ'ኸ ክጥቀመሉ ይኽእል'ዶ፧
ዎርድፕረስ ማለት እቲ ዝቐለለ ወብሳይት መስርሒ ሶፍትዌር'ዩ፡
ስለዚ ዝኾነ ሰብ ወብሳይት ክሰርሓሉ ይኽእል'ዩ፡ ሓደ ጀማሪ ነዛ ኮርስ እንተወሲድዋ፡
- ብብዛዕባ ዎርድፕረስ ዝኾነ ተመኩሮ ኣየድልዮን'ዩ፡ ኩሉ ኣብዛ ኮርስ ተገሊጹ ኣሎ፡
- ካብ ግበሩለይን ብዙሕ ወጻኢታትን ኣብ ምስራሕ ወብሳይት ይድሕን፡
- ብፍላይ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝነጥፍ እንተደኣ ኮይኑን ወብሳይት ክህልዎ ምስ ዘደልን፡ እዚ ኮርስ'ዚ ንዑኡ ተባሂሉ ዝትሰርሐ'ዩ ክበሃል ይከኣል።
ፍሉያት ብልጫታት ዎርድፕረስ ግን እንታይ'ዮም፧
- እዚ ሶፍትዌር'ዚ ብዝደለኻዮ ቅዲ ዲዛይን ሰሪሕኻ ብሉጽቲ ወብሳይት ከተዳሉ ይሕግዝ፡
- ገደብ ዓይነታት ትሰርሖም ወብሳይታት የብሉን፡
- ናይ ኦንላይን ድኳን፡ ብሎግ፡ ጽሑፍ ትዝርግሓሉ፡ ንትካላት'ውን ዝኾነ ዓይነት ወብሳይት ትሰርሓሉ'ዩ፡
- ኣዝዩ ዘተዓጻጽፈን ኣዝዩ'ውን ብዙሕ ክትሰርሓሉ ዘኽእልን ናይ ፕላግኢን ብልጫታት ኣለዎ፡
- ዎርድፕረስ ነጻን ኦፐን ሶርስን ኢዩ፡ ስለዚ ትኸፍሎ ክፍሊት የለን፡
- ዘይከም ካሎኦት መስርሒ ወብሳይት CMS ፡ ዎርድፕረስ ብብዝሒ ፕላግኢን ከሙኡ'ውን ቲምስ ዝሓዘለ'ዩ፡ ስለዚ ዝደለኻዮ ዓይነት ወብሳይት ከተማዕብል ይሕግዝ።
ስለዚ ክኢላ ኣማዕባሊ ወብሳይት ክትከውን ነዛ ስልጠና እዚኣ ወሲድካ ሎሚ ተማሃር ........✨........ 🎉
Instructor
Total students: 358
Total Courses: 6
Total Feedback: 53
Total Rating: (4.9)
I am a full-stack web developer with more than 5 years of experience working with HTML, CSS, JS, AJAX, JSON, PHP, and SQL. I am knowledgeable in all facets of web development, including front-end and back-end. I am a proactive learner who is always looking for new opportunities to increase the scope... Learn more
Rating and Reviews
Total Reviews (2)

ቀጽሎ ቀጽሎ ቀጽሎ💪

እዚ ኮርስ ብጣዕሚ ጽቡቕ ረኺበዪ ኣዝዩ ዐሚቕን ቡዙሕ ነገራት ዝሐዘን ንምስማዑ ዘይስልቹን ሓጽርትን ማሀርን ኮይኑ ረኪበዩ። ስለዚ ድማ ቡዙሕ ተጠቒመን ተማሂረን ኣብ ዝመጽእ ድማ ነዚ ዝተማሀርክዋ ብግብረ ክስርሓኡን ክጥቀመሉን እየ፣
ንቡዙሓት ድማ ናይዚ ዕድል ተጠቀምቲ ክኮኑ የታባብዓም።
የቐንየለይ
ካብ ሳዐረ